ዲ.ቢ.ኤል ኢንዱስትሪ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ተጫረቲ ናይ 2011 ዓ/ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝኸፈሉን ፈቃዶም ዘሐደሱን ክኸውን ይግባእ።

2 ተጫረቲ ንጨረታ ዘቐረበ ተረፈ ምህርቲ (Knitting rags) ኣብ ኲሓ ብለት ኣብ ዝርከብ ፋብሪካና ኩሉግዜ ካብ ሰኒ ከሳብ ቀዳም ካብ ዕለት 09/07/2018- 13/09/2018 ኣ.ፈ ንጉሆ ካብ ሰዓት 2:30 ክሳብ ድ.ሰዓት 11:30 ብኣካል ብምቅራብ ክሪእዎን ዋግኦምን ንሓደ ኩንታል ብክንደይ ከምዝገዝኡ በዚ ዝስዕብ ሰደቃ መሰረት ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነቲ ጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብር 10000.00 ( ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ከትሕዙ ይግባእ።

4 ጨረታ ዕለት 13/09/2018 ኣ.ፈ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ድ.ሰዓት ድልየት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኽፈት ይኸውን።

5 ኣሸናፊ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፍሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 (ዓሰርተ) ናይ ሰራሕ መዓልቲ ጨረታ ዘሸንፍሉ ጠቅላላ ሒሳብ ኣታዊ ብምግባር ዝሰዓርዎ ተረፈ ምህርቲ (Knitting rags) ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ሰብን ሓይልን ከልዕሉ ይግባእ።እንተዘይኮይኑ ነቲ ጨረታ ዘትሓዝዎ ጨረታ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካልና ዝሓሸ ኣማራፂ ይወስድ።

6 ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሓለወ እዩ።