ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንቤት ፅሐፈትና ግለጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ህንፃ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ኣብዙይ ክዳደሩ ዝተደሊዩ ሕጋዉያን ነዚ ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ንዕድም
-
ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
-
ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
-
ናይ ህነፃ መሳርሒ ንብረታት ተወዳደርቲ ዝኮንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይ ወርሒ የካቲት ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ
-
መክበሪ ጨረታ ብረ 5000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል
-
ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 18/11/2006 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 01/12/2006ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:30 ባዕሎም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣበ ማሕበር መናእሳይ ትገራይ ይኽፈት
-
ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ን/ምም/ዳርን ብር 50 እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 18/11/2006 ክሳብ ዕለት 01/12/2006 ሽም "ኣድራሻ ፌርማ "ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::
-
አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ከረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀ እስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን ::
-
መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብCPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::
-
ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽን ምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ::
-
አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከም ዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ’ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ::
-
ልዕሊ 10000 /ዓሰርተ ሽሕ/ ብር አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል ::
-
መኽበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን ::
-
ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን::
-
መ ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::