ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት

ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም። በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን፣መቅረባይነት መረዳእታ ዘለኩም ናይ 2010/2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፈቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክትቅርቡ ትኽእሉ ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ኣብ ኩሎም ዓይነታት ጨረታ መቅረባይነት ዝትመዝገብኩም ነጋዶ ንዕድም።

2 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ኣታዊ ዝገበርሉ ክሳብ 30/08/2011ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዝሓዘ ከኸውን ኣለዎ።

3 ጨረታ ኣብ ኣየር ክፍቲ ኾይኑ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ግዜ ካብ 15/08/2011ዓ/ም -8/09/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 አብ ዘሎ ግዜ ይከውን።

4 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 8/09/2011ዓ/ም ሰዓት 5:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተኣሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን በቢበይኑ ተፈላልዩ ተዓሺጉ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምመ/ንብረትን ሳንዱቅ ጨረታ ዝኣቱ ኮይኑ አቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

5 መኸበሪ ጨረታን መሸጢን ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ብዝርዝር መዐቀኒ ተቀሚጡ ይርከብ።

6 ኻልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሓበሬታታት እውን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወዝርዝር መዐቀኒ ተቀሚጡ ስለዘሎ ካብኡ ኣንቢብኩም ምርዳእ ትኽእሉ።

7 ጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንኹሉ ዓይነት ዕድጊት ብናይ ባዕልኹም መፀዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊነኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ውሽጢ 12 መዓልቲ ክተረክቡ ኣለኩም።

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-570157 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።