ዲ.ቢ.ኤል ኢንዱስትሪ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1 ተጫረቲ ናይ 2011ዓ/ም ናይ ስራሕ ግብሪ ናይዚ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን፤

2 ተጫረቲ ንጨረታ ዝቐረበ ቁርፅራፅ ሓፃዊን ኣብ ኲሓ ብለት ኣብ ዝረከብ ፋብሪካና ኩሉግዜ ካብ ሶኒ ክሳብ ቐዳም ካብ ዕለት 05/04/2019 ጀሚሩ -10/04/2019 ኣ.ፈ ንጉሆ ካብ ሰዓት 2:30 ክሳብ ድሕሪ ሰዓት 11:30 ብኣካል ብምቅራብ ክሪእዎን ዋጋኦምን ከምቲ ኣብ ታሕቲ ከምዝተገለፀ ቴንዲኖ ሓፃዊንን ብምፍላይ ንሓደ ኪሎ ብክንደይ ከምዝገዝኡ ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነቲ ጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ይኽእሉ።

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 30000.00 ሽሕ ብር ብሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም ።እቲ ሲፒኦ ምስ ጨረታ ሰነድ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ።ምስ ጨረታ ዘይተዓሸገ ሲፒኦ ወይ ጥረገንዘብ ብዝኮነ ይኹን መልክዕ ተቀባልነት ኣይህልዎን።

4 ተጫረቲ ናይ ታክሲ ኸፈልቲ ምስክር ወረቀት መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 ጨረታ ዕለት 11/04/2019 ዓ.ም.ፈረንጂ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ድልየት ዘለዎም ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

6 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ምዃኑ ዘይምዃኑን ክጠቅሱ ይግባእ።እንተዘይኮይኑ ግና እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ብዘይቫት ተሓሲቡ ይውሰድ።

7 እዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስተበሃለ አብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ምሉእ ክፍሊት ከፊሉ እቲ ንብረት ብናይ ዓርሱ መፅዓኒን መጓዓዝያን ከልዕል ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።እንተዘይኮይኑ ነቲ ጨረታ ዘትሓዝዎ መኸበሪ ጨረተ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትከልና ካልእ ዝሓሸ ኣማራፂ ይወስድ።

8 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ምሉእ ናይ ትካልኩም ማሕተምን ሽምን ይጠቀሙ

9 እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ በስ.ቁፅሪ 0914-708993/0914-708567 ምድዋል ይከኣል።