ዓብዮ ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል

ተጫረቲ ከማልአዎ ዝግባእ ረቋሒ

1 ተጫረቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉን ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ተጫረቲ ናይ ቫት ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ከፈሊ ግብርን መለለይ ቲን ናምበር ከቅርቡ ዝክእሉን፤

3 ተጫረቲ ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩ ምዃኖም መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ መወደደሪ ዋጋ ብዘይ ስርዝ ድልዝ መሊኦም ብንፁር ሸምን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በብበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሺጎም ንሕድሕድ ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ተማሊኡ ኣብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክእትዉ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ አሲሩ መክበሪ ዉዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእልን ተጫራታይ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል ክቕርብ ዝክእል፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ /Specification/ ዘይምለስ 30.00(ሰላሳ ቅርሺ) ብምክፋል ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቤት ህንፀት ማእከል ምዉሰድ ይኽእሉ፤

7 ተጫረቲ ዘቕርብዎ ንብረት ምርኣይ /ሳምፕል/ ካብ ትካል ኣምፂኦም ክሪኡን ክወስዱን ዝኽእሉ

8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 11/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 02/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:00 ቅ.ሰዓት ይኽፈት።

9 ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ዝምለስ 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

10 ተጫረቲ ብዘይ ኣግባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ስጉምቲ ንወስድ ምዃና ከምኡ እዉን ዘተሓዝዎ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ዝዉረስ ምኻኑ ክፈልጡ አለዎም

11 ተጫረቲ ግልፂ አብ ዘይኮነሎም ብአካል መፂኦም ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-599938/ 0914-154817 / 0930-314056 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

12 አብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ አለዎም፣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይ ምቅራቦም ጨረታ ምክፋት/ ምርኣይ/ ኣይተአጓጎልን

13 ማእከልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ትካልና ተጫረቲ ዘሸነፈዎ ንብረት ብፅሬት መረጋገፂ ኣካል (በዓል ሞያ) ፅሬቱ ተረጋጊፁ ኣታዊ ዝኮነ ንብረት ጥራሕ ሒሳብ ንኸፍል ምዃና ክፈልጡ ኣለዎም።

15 ልዕሊ 10000.00 ሽሕ ዘሸነፈ ነጋዳይ 2 ሚኢታዊ ዊዝ ሆልዲንግ ናይ ምክፋል ግዴታ ኣለዎ፡፡

16 ትካልና ሰዓራይ ምስ ፈፈለየ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝዕድግ ንብረት መጠን ክሳብ 20 ሚኢታዊ ክውስክን ክቅንስን ይክእል እዩ፡፡