ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 በቢ ስራሕ ዘርፎም ናይ 2010/2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቃድን ናይ 2011 ዓ/ም መቅረባይነትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል።

2 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 3000.00 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም።

2 ቲን መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ድክሌር ዝገበረ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተጫረቲ ክመልኡ ከለው ናይ ሓደን ጠቅላላን ዋጋ ኤክስፓየር ብምንፃር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ሰ/ዕፋ/ን/ምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ።

4 ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃው ዝመፅአ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን ብተወሳኪ ንዝወፀ እስፔስፊኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረከበ ተወዳዳሪ ካብ ውድድር ውድቂ ከምዝግበር ክፈልጥ ኣለዎ፤

5 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 06/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 21/06/2011 ዓ/ም 30.00 ብር እናኸፈሉ ካብ ደ/ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ /ምም/ር/ን ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ። እቲ ጨረታ 21/06/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

6 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቅላ ዋጋ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ መከበሪ ውዕሊ ዘትሕዘ ኮይኑ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ መራገፊን መፅዓንን ዘረክብ ፣ ልዕሊ 10000.00 ብር እንተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝከፍል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

7 መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411454 ምሕታት ይከኣል።