ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ካርዲ መረጋገፂ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ምውሳድ ዘይምለስ ብር 100.00 (ሚኢቲ) ብምኽፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 10 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ትኽእሉ።

4 ተጫረቲ እቲ ዝሽየጥ ንብረት ሰነድ ጨረታ ካብ ዝዓደግኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 16/05/2011ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትናን ኣብ ቀበሌ 03 ጥቃ መብራህቲ ሃይል ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ቀይሕ መሰቀል መጋዘን ብንልጥፎ ፕሮግራም መሰረት ኣብቲ ዝተጠቀሰ መጋዘን እናኸድኩም ብኣካል ምርኣይ ትኽእሉ።

5 ተጫረቲ ዋጋ መቅረቢ ሰነድኩምን ኣድለይቲ መረዳእታኩምን ብትክክል መሊእኹም ኣብ ኢንቨሎፕ ብምዕሻግ ክሳብ ዕለት 17/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ክተእትው ይግባእ።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና ብመልክዕ ሲፒኦ ናይቲ ዘቅረቦ ጠቅላላ ዋጋ 10% ክተቅርቡ ይግባእ።

7 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝኽፈተሉ ዕለት 17/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸውን።

8 ዝሰዓረ ተጫራታይ ዘሸነፈሉ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 7ተ መዓልቲ ብምኽፋልን ዝሰዓሮ ንብረት ክወስድ ኣለዎ። ካብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ እንተሕሊፉ በቢመዓልቱ 1.5% ናይቲ ዝሰዓሮ ጨረታ ዋጋ እናኸፈለ ንክወስድ ክሳብ 15 መዓልቲ ግዜ ይወሃቦ። ድሕሪ 15 መዓልቲ ግን እቲ ጨረታ ከምዝገደፎ ተሓሲቡ ክስረዝ ተገይሩ ዘተሓዞ ሲፒኦ ናብ ድርጅት ኣታዊ ይግበር።

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።