መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

1 ተጫረቲ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለዩ ቁፅርን፣ ዝተሓደሰን ሊብሬን ኢንሹራንስ መመድሕንን ኦርጅናልን ዘይምለስን ፎቶ ኮፒ ብምትሓዝ ኣብ ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ይክእሉ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብሰምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ መስታወቂያ ዝወፀሉ ዕለት 29/12/2018 ዓ/ም.ፈ ክሳብ 22/0/2019 ዓ/ም.ፈ ድሕሪ ሰዓት 8:00 ኣብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክእትዉ ይክእሉ።

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብናይ ባንኪ ክፍሊት መኣዘዚ (ሲፒኦ) ብር15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) (CPO) ብዝተዓሸገ ፖስታ ምስ ናይ ጨረታ ደኩመንት ብምትሕሓዝ ክእትዉ አለዎም :: ብፖስታ ዘይተዓሸገ (CPO) ተቐባልነት የብሉን።

4 እዚ ጨረታ ዕለት 22/01/2019 ዓ.ም.ፈ ድሕሪ ሰዓት ልክዕ 8:00 ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት24/01/2019ዓ.ም.ፈ ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብዝተረከብሉ ኣብ መቐለ መስፍን ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝክፈት እንትኮን ሰነዱ ዝተማልአ እንተኮይኑ እንተዘይተረከቡ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝክፈት ይከዉን ።

5 ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቐረቢ ሰነድ ዘእትዉዎ ዋጋ ንመኪና ዘድሊ ነዳድን ካልኦት ወፃእታት ዘጠቃለለ ክከዉን ይግባእ።

6ሰዓራይ ተጫረቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ናይ ፅዕነት ምጉዕዓዝ ሰራሕ ክጅምሩ ይግባእ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ንዉዕሊ መክብሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ብምግባር ኩባንይና ካልእ አማራፂ ይወስድ።

7ተጫረቲ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኮም ዋጋ ምእታዉ አይክእልን

8 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ምስ ኣሸነፉ ንካልእ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ምሃብ ኣይክእሉን

9 ሰዓራይ ተጫረቲ ኩባንያና ተወሳኺ ናይ ፅዕነት መኪና ኣብ ዘድልየሉ እዋን ብዘሸነፍዎ ዋጋ ምቅራብ ግዴታ ኣለዎም።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 251-930413111 ፋክስ 251-3444066803 ይደወሉ