ማይጨዉ ሕርሻ ኮሌጅ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብኩም ኣተሓሒዝኩም ክተቕርቡ እትኽእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩም ቲን ሰርቲፊኬት ክተቅርቡ ትኽእሉ

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ዲክሌር ዝገበርኩምሉ መረዳእታን እተቕርቡ

4 ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዝተሓደሰ ከተቕርቡ ትኽእሉ                  

5 ሰነድ ጨረታ ፎቶ ኮፒን ኦርጂናልን ብ2 ፖስታ (ኢንቨሎፕ) ተዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል፤

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ በዓልኹም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብፅሬትን ብመጠንን ተቕርቡ ምዃንኩም

7 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓርኹዎም ንብረት ሓደ ዓይነት ዋጋ ንዘቅረብኩም ተወዳደርቲ ብዕጫ እትፍልዩ ምዃኑ፤

8 መወዳደሪ ደኩሜንት  ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ

9 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ብር) እናኸፈልኩም ካብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ሀ-B20 u-2 ካብ 11/04/2011 ዓ/ም -25/04/2011ዓ/ም ሰዓት 11:00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኽእሉ።

10 እቲ ጨረታ ዕለት 26/04/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተኣሺጉ ኣብቲ ዕለት ድማ 3:15 ኣብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረተን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

11 ተጫረቲ ናይ እንስሳት ናውትን ኣቅሑትን፣ ናይ መኪና ስፔር፣ ናይ ፅ/መሳርሒ፣ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) እንትኾን ናይ ኤሌክትሪክ፣ ኤሌክትሮኒክስ ህንፃ መሳርሒን ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ድማ ብር 2000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ  ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክን ክተትሐዙ እትኽእሉ፤

12 ዝተወዳደርሉ ሰነድ ኮፒን ኦርጅናልን ክተቕርቡ እትኽእሉ ከምኡ ድማ ሰሩዕ ሰነድ ጨረታ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጫረቲ ማህተም ብምግባር ብዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ተእትው ትኽእሉ፤

13 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዐቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምዃኑ ኣስተውዒሎም ዋጋ ይምልኡ።

14 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

  ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁጸሪ 0347-700388 ምደዋል ይከኣል።