ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 1% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

3 ጨረታ ሰነድ ኣታዊ ዝግብረሉን ዝኽፈተሉን ኣብ ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ 4 ደብሪ 9 እዩ።

4 ሰዓራይ ምዃኖም እንተፈሊጦም ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ናይ ዘሸነፍዎ ንብረት ጠቅላላ ክፍሊት ኣታዊ ዝገብርሉ ቅብሊት ብምትሓዝ ኣብ ዓዲሓ ካብ ዝርከብ መኽዝን ናይ ትካልና ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ከልዕሉ ዝኽእሉ፤

5 ተጫራታይ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ገንዘብ ኣታዊ ክገብሩ ተዘይክኢሎም ዘትሓዝዎ መኸበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

6  ምልክታ ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 04/03/2011 -18/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ  ዕለት 18/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት::

7  ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ  ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556  ምርካብ ይካአል እዩ::