ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ

ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት ክማልኡ ኣለዎም።

1 ናይ 2010/11 ዓ/ም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሸተይን ፍቃድ ንግዲ ትካላት ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ምዝገባ ንግድ ምስክር ወረቀትን ናይ ኮንስትራክሽን ማለት እዉን ተኮናተርቲ ምዝገባ ካርድን ዘለኩም መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኺ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም

2 ተጫረቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረከቡ ደረጃ 8ተ ንእሽተይ ንግዲ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዩም

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና መአዘዚ ክፍሊት ገንዝብ ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ከቅርቡ አለዎም

4 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት መፋሰስ  ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 150 ተኸታተልቲ  መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

5 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 20/02/2011 ዓ/ም  ጀሚሩ ካብ ልምዓት ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ቢሮ ቁፅሪ 9 መረዳእታታት ብምሓዝን  ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ  ፎቶ ቅዳሕን ሰነድ ጨረታ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቢሮ ቍፅሪ 9 ኣብ  ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 10/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

7 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ከምዝነበሮ እንተይኣጎደሉ ከቅረቡ አለዎም

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 10/03/2011 ዓ/ም  ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 9 ክክፈት እዩ።

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይም ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫረቲ ካብ ዝቆፅርዎም ግዚያዉ ሰራሕተኛታት ድማ 60% ንደቂ ኣንስትዩ ንከሳትፉ ድልዊ ክኮኑ አለዎም።

11 ብዘይ ፆታ አፈላላይ ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ክኸፈል ድልዊ ዝኾነ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  ናብ ልምዓት ከተማ ሸራሮ ቢሮ ቁፅሪ 9  ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብቁፅሪ ስልኪ 0345-500622/0914-393114 ምድዋል ይከኣል።