ቢሮ ትልምን ፋይናንስን

          ጨረታ ምልክታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንአብያተ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዓበይትን ኣናእሽተይን ተሽከርከርቲ መካይን መፀገኒ ጋራዥ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና ናይ ፕርንተር ቀለም ምምላእን ናይ ፈርኒቸር ፅገና ን 2008 በጀት ዓመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክፀግን ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝክፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ: ቲን/TIN/ መቅረባይ  ሰርቲፌኬት :VAT ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ጉነበት /ሰነ ቫት ዲክሌሬሽን ዝቕርብ::

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፍኬሽን ካብ ቤት ፅሕፈትና ንኡ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 034 ካብ 03/11/2007 ዓ/ም ጀሚሩ 50.00 ብር ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል

3 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንተሽከርከርቲ 5000.00 ብር ንሞተር ሳይክል ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ፅገናን ፕርንተር ቀለም ምምላእን ናይ ፈርኒቸርስ ፅገና ን 3000 ብር ከትሕዝ ዝኽእል ትኽእል

4 ብናይ ጋራጅ ፅገና ንዓበይቲ መካይን ደረጃ 5 ንአናእሽተይ መካይን ደረጃ 3 ን ልዕልኡን ብቅዓት መረጋገፂ ከቕርብ ዝክእል::

5 ሰነድ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/ 11 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ  ዕለት 27/22 2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል::

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 ኣድራሻና ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እናዳ ማርያም ቤተ ክርስተያን እዩ::

9 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406839 / 408501 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

10 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መኽፈትን በዓል እነተዊዒሉ ኣበ ዝቕፅልናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን::