ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

ከማልእዎም ዝግብኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2010ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘሐደስኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ (ቲን ናምበር) ዘለኩም

3 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ፣ደረቅ ፅዕነትን ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዘይኾኑን ይኸእሉ

4 ካልኦት ዓይነታት ጨረታ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑ ጥራሕ ተወሳኺ እሴት ታክሰ ዝተመዝገቡ ፣ወረቀት ምስክር ናይ ነሓሰ 2010ዓ/ም ተወሳኺ እሴት ታክሰ ዝተመዝገቡሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

5 ተጫረቲ ናይ መኸበሪ ጨረታ ንኣቁሑት መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ቅርሺ፣ ንመጓዓዓዚ ደረቅ ፅዕነት 1000.00 ቅርሺ ፣ ንመሳርሒ ሕትመት 3000.00 ቅርሺ፣ ንኤሌክትሮኒክስ ፅገና 1000.00 ቅርሺ፣ ናይ መኪና ጎማን ባትርን 3000.00 ቅርሺ፣ ንኣቅሑት ፅሬት 1000.00 ቅርሺ፣ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መመርሒን ጨረታን ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካበ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ቢሮ ቁፅሪ 115 ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ከሳብ 30/02/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ምውሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወሉ ዕለት 14/02/2011ዓ/ም ፣ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 15/02/2011ዓ/ም ፣ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም 3:30፣ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይኸውን።

7 ጨረታ ዝሰዓሩ መቅረበቲ ዝሰዓርዎ ንበረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ መጓዓዝያን መፅዓንን መራገፍን ሸፊኖም ናብ ቤት ዕዮና የቅርቡ።

8 ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ድማ ናብ ዝሰዓርሉ ወረዳ የብፅሑ።

9 እቲ ጨረታ ዝተስዓሩ መቅረብቲ ሰዓራይ ተፈሊጡ ውዕሊ ምሰተኣሰረ ዘትሐዝዎ ናይ ጨረታ መኸበሪ ይምለሰሎም።

10 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ ንሕትመት 30 መዓልቲ ዝተረከብሉ ኩሉ ዓይነት ንብረት ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ 15 መዓልቲ ኣታዊ ይገብር።

11 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር መረዳእታ መርኣያ መሰረት ፅሬቶም ዝሓለው ምዃኖም ኣረጋጊፁ ክመፅእ ይግባእ።

12 ካብቲ ዝተቀመጠ ረቋሒ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቀምጥን ኣብቲ ዝርዝር መረዳእታ ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቀድን።

13 እቲ ጨረታ 20% ናይ ምወሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።

14 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

15 ተጫረታይ ዘቅረቦ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊሱ ወይ ዘይሓዊሰ ምዃኑ እንተመላኺቱ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይቁፀር።

16 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 60 መዓልቲ ይኸውን።

17 ተጫረቲ ዝተዓሸገ ፖሰታ ዋናን ቅዳሕን ብዝብል ብምግባር ከቅርቡ ኣለዎም።

18 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ 15% ካብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምዃና ነፍልጥ።

19 ቅድሚያ ክፍሊት ምሃብ ኣይፍቀድን።

20 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለትን ሰዓትን ይኽፈት። ኣብ ጨረታ ምኽፋት አዋን ተጫራታይ እንተዘይተረኺቡ ካብ ምኽፋት ዝእግድ ነገር የለን።

21 ጨረታ በዘይ ኣግባብ ከዛብዕ ዝፈተነ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፉ ዘኽይድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጡ ይግበእ።

22 ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ወይ ድማ ክእግድ ዝኽእል መ/ታዊ ኣካል ዝተኣገደ ናይ እገዳ እዋኑ ዘየኣኸለ ምውድዳር ኣይከኣልን ብሕጊ ውን የሕትት እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።