Dejena Chemical Engineering p.l.c

                                                ናይ ጨረታ መዐቀንታት

1 ተጫረቲ በዚ ዓውዲ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ተወሳኺ አሴት ታክሰ ተመዝጋቢ ዝኾኑ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶኮፒን ብምትሕሓዝ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ልዕሊ ኣክሱም ሆቴል ኣብ ዝርከባ ጉና ህንፃ ቁፅሪ 401 50 ብር ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብን ብምቅራብን እቲ ሰነድ ክትወስዱ ትኽእሉ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ 15/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 30/01/2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:00 ኣብ መቐለ ዋና መ/ቤት ነዙይ ተባሂሉ ኣብ ዝተተደለወ ሳንዱቅ ከእትው ይግባእ።
3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብባንኪ ክፍሊት መአዘዚ ሲፒኦ ብር 15000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብዝተዓሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ሰነድ ክኣቱ ይግባእ። ብፖስታ ዘይተኣሸገ ሲፒኦ ተቀባልነት የብሉን።

4 ጨረታ ዕለት 30/01/2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 30/01/2011ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት መምርሒ ዕደጋ ዝኸፈት ኾይኑ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቡ አቲ ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

5ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ግብሪ( ቫት ቲኦቲ ) ዘካትት ምዃኑን ዘይምዃኑን ክጠቅስ አለዎ እንተዘይኾይኑ እቲ ዘእተውዎ ዋጋ ግብሪ ዝሓወሰ ምዃኑ ተቆፂሩ ይውሰድ።

6 ሰዓራ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ካብ ዝሰዓሮ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ፕሮጀክት ስራሕ ይጅምር። እዙይ ተዘይኾይኑ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ ናብ ትካል ኣተዊ ብምግባር ትካል ካልእ መማረፂ ይወስድ።

7 ተጫረቲ ኣብ ናይ ካልኦት ተጫረቲ ዋጋ ተመስሪቶም ዋጋ ምእታው ኣይፍቀድን።

8 ንፅሬት ምግቢን ከባቢን ዝለዓለ ግምት ሂቡ ዝሰርሕ ናይ ጥዕናን ፅሬትን ትካላት ዝሃበዎ ምስክር ወረቐት ዘቕርብ፤በብግዚኡ ካብ ጥዕናን ፅሬትን ተቆፃፀርቲን ትካላት እናዓደመ ብናይ ባዕሉ ወፃኢን ዘመርምርን ዘፈትሽን

9 ምስ ምግቢን መስተን ኣቅርቦት ዝተተሓሓዘ ብቅዓትን መረጋገፂን ድጋፍ ምስክር ወረቐት ኣተሓሒዙ ዘቕርብ

10 ብዘቕርቦ ምግቢን መስተን ንዝፍጠር ናይ ጥዕና ፀገማት ናይ ኣቅርቦት ሕፅረት ምድንጓይ ሓላፍነት ዝወስድ።

11 ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ግዜ ኣትሒዙ ንሓደ ዓመት ኣብ ስራሕ ይፀንሕ

12 ትካል ማይ፣ኤሌክትሪክ መመገቢን መስረሒን ቦታ ብነፃ ዘቕርብ ኮይኑ ካብኡ ወፃኢ ዘለው ቀወምትን ሓለቅቲን ናይ ምግቢን መስተን መሳርሒታት ባዕሉ የቅርብ

13 ግዜያዊ ሰራሕተኛታቱ መንበሪ መዕረፊን መፅለሊ ካብቲ መመገቢን ፋብሪካን ወፃኢ ኣብ ዝወሃቦ ቦታ ዘስርሕ ናይ ንብረቱን መሳርሒን መኽዝን ብናይ ባዕሉ መሓውር ዝቆፃፀር

14 እዚ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁፅሪ 0344-405061/0344-417201