1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ቲን ናምበር ዘለኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ክትቕርቡ ትኽእሉ
2 ተጫረቲ ኣካዳሚና ብዘቐመጦ ዝርዝር መግለፂ (specification) መሰረት ናይ ዋጋ መግለፂኹም ብዝተኣሸገ ኢንቨሎፕ ካብ ዕለት 14/01/2011 -21/01/2011ዓ/ም ሰዓት 9:45 ኣብ ዘሎ ናብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ።
3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20.00 ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ደይሬክቶራት ዕደጋን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ካብ 14/01/2011 ዓ/ም -21/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:45 ኣብ ዘሎ ግዜ ብምግዛእ ኣታዊ ምግባር ትኽእሉ።
4 እዚ ግልፂ ጨረታ ዕለት 21/01/2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 9:45 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 10:00 ኣብ ኣካዳሚና ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ይኽፈት
5 መኸበሪ ጨረታ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ክትሕዙ ዝክእሉ
6 ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ጠቕላላ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።
7 ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራታይ አቲ ሳዕሪ ኣብ ውሽጢ 15ተ መዓልቲ ዓፂዱ ከልዕል ኣለዎ።
8 ኣካዳሚና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401989 ምድዋል ይከኣል።