ዓዲሽዑ ደብረ ብረሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን

1 ዝተሓደሰ ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ዘቕርብ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ ወይ ቲን ቀፅሪ ዘቕርብ

3 ንቫት ተመዝገበቲ ቫት ዝሓውስን ዘይሓውስን ብግልፂ ከቅምጡ ዝኽእሉ

4 እዚ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ሎሚ ዕለት 10/01/2011 ዓ/ም -23/01/12011 ዓ/ም ንተኸታታሊ 14 መዓልቲ ይኸውን።

5 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5000.00 ካብ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሀቦ ዝተረጋገፀ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል

6 እቲ ጨረታ ምስ ሰዓረ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብቲ ቤተክርስትያን ሰሪሑን ገጢሙን ከረክብ ዝኽእል

7 ተጫራታይ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተነገሮ ኣብ ውሽጢ 3 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስረ ዝኽእልን ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ፍቃደኛ ዝኾነን

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/01/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ይኽፍት።

9 እቲ ህንፃ ኮሚቴ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 ሰዓራይ ንብረት ዘረክበሉ ውዕሊ ካብ ዝፈፀመሉ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ሰሪሑን ገጢሙን ዘረክብ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ን60 መዓልቲ ይኸውን

12 መቅረብቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ዋጋ መምልኢ ሰንጠረዝ ውሽጢ ነፀላን ጠቅላላን ዋጋን ከምኡውን ዕለት ፊርማን ማህተምን ክዓርፈሉን ይግባእ ናይ ውልቀ /ማሕበር

13 ሰዓራይ ኣካል ነቲ ንብረት ብፅሬትን በዝሕን ሰሪሑ ምስ ወድአ ብበዓል ሞያ ተራእዩ ምስተረጋገፀ ሽዑንሽዑ ክፍሊት ይፍፀመሉ

14 ቅድሚ ጠቅላላ ስራሕ ምጅማሩን ከዓ ናይቲ ዝደለ ንብረት መርኣያ ሳምፕል ስሪሑ ከቅርብ ዝኽእል።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-167875/0914-297318