ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

በቲ ዘፈር ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ዘለዎ
2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ንምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎ
4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ወርሒ ሐምለ 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
6 ንነብስወከፍ ሎት ናይ ጨረታ መከበሪ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል
7 በዝሒ ግዝኢት ብ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይክእል እዩ
8 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምካኖም ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም
9 እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ጀሚሩ ን 45 ተከታታልቲ መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ
10 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ፌርማ:ስምን :ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ
11 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ሰርዝ ድልዝ ክምልእ አለዎ
11 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ብክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ
12 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ንነብስወከፍ ሎት ዘይምለስ 30 ቅርሺ ካብ 17/12/2010 ዓም ክሳብ 3/1/2011 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል
12 እቲ ጨረታ 3/1/2011 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 3/1/2011 ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት
13 ተጫረቲ ካማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቆሒታት ኣብ መምርሒ ጨረታ ምርኣየ ይከኣል
14 ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345510044 0345510721ደዊልካ ምሕታት ይከኣል