ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ቫት ተመዝጋቢ መካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለዩ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ሞያ ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ ዘቅርብን

4 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣብ መቅርባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡ

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ 5000 ከትሕዙ ዝክእሉ

6 እቲ ጨረታ ተመሊኡ ዝቀርበሉ ከብ ዕለት 04/11/2010 ዓ/ም ክሳብ 18/11/2010 ዓ/ም 3:00 ቅድሚ Â ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ዓዲጎም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝሆልዲንጉን ሓዊሶም ደሚሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይግብሩ

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ /ዕዳ/ ፋይ/ ንብ ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 10 እዩ

9 ጨረታ ዕለት 18/11/1010 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓሺጉ ዕለት 18/11/1010 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ

10 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ መማሓየሺ እንተድልዩዎም ናይ ጨረታ መክፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ቅድሚ 5ተ መዓልቲ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርቡ ይክእሉ 11 ቤት ዕዩና ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቱ ዝዕደግ መድሓኒት ወይ ናውቲ ሕክምና መጠን በዝሒ ክሳብ 20% ክዉስክን ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ተጫረትቲ ዘሸነፈዎ መድሓኒት ወይ ናዉቲ ሕክምና ብናይ ባዕሎም መራገፍን መፅዓንን ከምኡ እዉን ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ከቅርቡ ዝክእሉ ምካኖም

13 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ መድሓኒት ወይ ናዉቲ ሕክምና ዉዕሊ ብምእሳር 10 ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መክበሪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዙ ግዴታ አለወመ

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብመሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ሐበሬታ ምርካብ ይከኣል