ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ቫት ተመዝጋቢ ምካኖም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእሉ

2 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድን ንግዲ ስራሕ መረዳእታ ዘቅርብ

3 ኣብ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግበሪ ከፋልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ሞያ ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ ዘቅርብ

4 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስ ኣብ መቅረባየነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ

5 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት ስፒአ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ከትሕዝ ዝክእል

6 ተጫረቲ እዚ ምልካታ ግለፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 17/8/2010 ዓም ክሳብ ዕለት 2/9/2010 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ መዉሳድ ይክእሉ

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝሆልዲንግ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣተዊ ይገብር

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደከስ ዕደፋይ ንብ ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 01 እዩ

9 እቲ ጨረታ ዕለት 2/9/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ

10 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ መክፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ቅድሚ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ይክእል

11 ኣብቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቱ ዝዕደግ መድሓኒት ወይ ናዉቲ ሕክምና በዝሒ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ መድሓኒት ወይ ናዉቲ ሕክምና ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ናብ ሆስፒታል ፋርማሲ እሰቶር ኣተዊ ጌሮም ሓሳቦም ክዉስዱ ዝክእል

13 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ መድሓኒት ወይ ናዉቲ ሕክምና ዉዕሊ ብምእሳር 10 ሚእታዊ ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መከብሪ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ቼክ ወይ ብጥረ ገነዝብ ክትሕዙ ግዴታ አለዎም