ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

ካብዚ ቀፂሎም ዝዝርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶን ትካላትን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም

1. ናይ 2010 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ

2. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ካርዲ መቅረባይነት ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድሉ መረዳእታን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኸእሉ

3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሕዳር ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም

4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 17 ጥሪ 2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 2 ለካቲት 2010 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ዋናን ቅዳሕን ምእታዉ ይከኣል

5. መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንኮምፒተርን ተዛመድቲ አቁሑ ትን 2,500 ቅርሺ ንመጋዓዕዚ 4000 ቅርሺ ንመለዋወጢ መካይን 3500 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6. ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7. መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል

8. እቲ ጨረታ 2 ለካቲት 2010 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት

9. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343450110 ወይድማ 0343450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል