ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

1 ዙርያ ለኸ ኤግዚቢሽንን ባዛርን 2007 ኣብ ከተማታት ዓድዋ : ዳንሻ : ሑመራ : ሽራሮ : ሽረ : ኣክሱም : ዓዲግራት : ሓዉዜንን ዉቕሮን ኤግዚቢሽን ባዛርን ከካይድ እዩ ንዝተፈላለየ ስራሕቲ እትዉዕል መኪና ኣወዳዲሩ ክካረ ይደሊ

  1. መኪና ዓይነት ሚኒባስ ደረጃ 2

  2. መፅዓኒ ዘለዋ (ፖርቶ መጋላ)

  3. ናይ ሹፌረ አበል ባዕሉ ዝኽእል

  4. ጌጅ ዘለዋ

  5. ቴፕ ዘለዋ

  6. ን 60 መዓልቲ ክራይ ዝፀንሕ

  7. ነዳጅ ካብ ድርጅትና

ዘድሊዩ ረቆሒታት

1 ናይ ህዝቢ መጎዓዝያ ወይ ድማ መኪና ኪራይ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም

2 ዓመታዊ ስራሕ ግብሪ ዝኸፈለኩም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

3 ብመንግስቲ ዝወፀ ሓዱሽ ናይ ንግዲ ፍቓድ ኣዋሽ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ዝገበርኹም

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ መዓልቲ 25 /05/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ቅድሚ ቀትሪ እንትኾን ጨረታ ዝኽፈተሉ ድማ 25 /05/ 2007 ዓ/ም ሰዓተ 900 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ኣበ ዝተረኸብሉ ሕጋዊ ወኪሎመ ኣብ ዝተረኸብሉ እንተዘይከይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ድማ ወኪላቶም ኣበ ዘይብሉ እቲ ጨረታ ክኽፈት ይኽእል እዩ::

5 መኽበሪ ጨረታ ( Bid Bond) ካብቲ ዘቀረብኽምዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% ክተቅርቡ አለኩም እቲ መኽበሪ ጨረታ 2 % ዘየቅረቡ ተጫረትቲ ብቀጥታ ካበቲ ጨረታ ይስረዙ

6 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ

7 ስለዚ ተጫረቲ ናይ መኪና ኪራይ ንመዓልቲ ዘካርየሉ ዋጋን ኣድላይ መረዳእትኦምን ብዝተአሸገ ኢንቨሎፕ ቀበሌ 17 ጥቓ አክሱም ኣክሱም ሆቴል ኣብ ዝርከብ ኮንደሚኒየም ህንፃ ታሕታይ ደብሪ ክተቕርቡ ንዕድም