ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ናይ በጅት 2007 ዓም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ናይ ዲሽ ሓፁር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከክሰርሕ ይደሊ::

በዚ መሰረት

  • ዝትሐደሰ ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም::

  • ብሐድሽ መቕረባይነት ዝተመዝገብኩም::

  • ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/TIN/ መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::

  • ቫት ዝተመዝገብኩም ናይ ቀረባ ወርሒ ዲክለር ዝገበርኩምን::

  • ተጫራቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር/specification/ መሰረት መሊኡ ዘቕርብ ክኸዉን አለዎ::

  • መቅረብቲ ካብ ዕለት 02/ 04/ 2007 ዓም ክሳብ ዕለት 21/ 04/ 2007 ዓ/ም ንነብሰ ወከፍ ሰነድ 30.00 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድን ኣብ ዘተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካአል::

  • መከበሪ ጨረታ 5000 ብ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅደሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ክትሕዙ አለዎም::

  • ጨረታ ዝዕሽግሉ ዕለት 21 /04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይክፈት::

  • ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምክፋት ዝዓግቶ የለን::

  • ጨረታ ዝፀንዐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ::

  • ቤ/ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሐለወ እዩ::

  • ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም አብቲ ቤ /ፅሕፈትና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ድልየት መግለፂ ጥራሕ ይኮዉን::

  • ነብሰወከፍ ገፅ ማሕተም ናይ ድርጅቱኩም ከዓርፎ ኣለዎ ከምኡዉን ማህተምን ንግዲን ፍቃድን መዓረ ክከዉን አለዎ::

ኣድራሻ ሓዱሽ ህንፃ ኤጀንሴ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ጎኒ ቤት ትምህርቲ መርሲ ፋይናንስን ህንፃ 1 ደብሪ ቑፅሪ 105 ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን::

  • ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344402860 /0914704331 ምርካብ ይካኣል::