ኢንተርፕይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ

ግልፂ ጨረታ : ጨረታ ቁፅሪ 2007/ 02

ኢንተርፕይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ን2007 ዓመት ንዘካይዶም ና መንገዲ ህንፀትን ፅገና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ዘለዎም ቱቦ ብግለፂ ጨረታ ብምዉድዳር ከምርት ይደሊ

በዚ መሰረት

1 ተጫረቲ አግባብነት ዘለዎ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ ከቕርብ ዝክእሉ::

2 ብር 3,000.00 ጨረታ መከበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ (CPO) ከቕርብ ዝክእሉ::

3 ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ግዜ አብ ስራሕ ሰዓት ብር 25.00 ብምክፋል ካብ ኢንተርፕይዝ ስራሕቲ መንገዲ ዕዳጋን ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ምዉሳድ ይኽእሉ::

4 እቲ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ግዜ አብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ዉይ ድማ ብፖ.ሳ.ቑ ምልአክ ይኽእሉ::

5 ሰዓራይ ዝኮነ መቕረባይ ንዉዕሊ መክበሪ ናይ ዝሰዓሮ 10 % ብባንከ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብምትሓዝ አብ 5 መዓልቲ ዉሽጢ ዉዕሊ ንምፍፃም ፍቃደኛታት ክኮኑ አለዎም::

6 እቲ ጨረታ ታሕሳስ 03/ 2007 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

7 ቱቦ ንምምራት ዘድልይ ሞልድ ሐይሊ ሰብን ማይን ባዕሉ የቕርብ እንተዋሐደ አብ መዓልቲ 10 ቱቦ ምምራት ዝክእል::

8 ቱቦ ዝምረተሉ ቦታ አብ ኢንተርፕይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ::

9 እቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉጊዜ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪል ተዝርከቡ ይምረፅ::

10 እቲ ኢንተርፕራይዝ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::