ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ኣርኣያ ካሕሱ

መምርሒ ተጫረቲ

1 ሕጋዊያን ነጋዶ ዝኾኑ ናይ ዘመን 2008 ግበሪ ዝኸፈሉን ናይ 2009 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርቡ

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ TIN ዘለዎምን VAT ተመዝገብቲ ዝኮኑን ወርሓዊ ዲክሌሬሽን ክሳብ ናይ ነሓሰ 2008 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበርሉ ማስረጃ ዘቅርብ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም

3 መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO 3000 /ሰለስተሽሕ ብር /ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ንብረታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ዘቕርቡ እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ መሊኦም ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዶክመንት ዘቕርቡ

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 16 /01/2009 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/ 01 /2009 ሰዓት 5:30 ኣብ ጥዕና ሳይንስ ኮሌጅ ኣርኣያ ካሕሱ አክሱም ብሎክ 1 ዘይመለስ 50 ብር እናኸፈልኩም ክወስዱ ይኽእሉ

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30 /01/2009 ዓ/ም ሰዓት 6:00/ተዓፅዩ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ ኣብቲ ዕለት ንሱ 30/01 /2009 ኮይኑ ድሕሪ ሰዓት ቀትሪ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዉያን ወኪላቶም ኣብዝተረከብሉ ይኽፈት

7 ምስቲ ሰነድ ጨረታ ተኣሲሩ ንዝወሃብ መምርሒ ተጫረቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተግበራዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 አብቲ ጨረታ ሰነድ ክሳብ 20 %ምዉሳክን ምቅናስ ከም ዝህሉ ዝተረደአ

9 ጨረታና ሕጋዊ ነጋዶ ወይ ወኪላቶም ብዘይምቅራቦም ናይ ጨረታ ምክፋት ዘይተኣጓጎል ምካኑ

10 ኮሌጅና ዘሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347752538 ወይም 0914743683 0914189509 ምሕታት ይካኣል