ኮሌጅ ሕርሻ ሽረ እንዳስላሰ

ብመሰረት እዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ዘማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክወዳዱ ንዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ወይድማ 2009 ዓም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘቅርብ
  2. ቲን ነምበር ተወሳኪ ታክስ ናይ ወርሒ ሰነ ሓምለ ነሓሰ 2008 ዓም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዋናን ዘይምለሰ ቅዳሕን ዘቅርብ
  3. ዘቅርብ ንብረት ኩሉ ኦርጅናል እቲ ዝርዝር ከይተለወጠ ትካልና ብዝመረፆ ብዝአመነሉ መሰረት የቅርብ
  4. ሰነድ ጨረታ 30 ቅርሺ ብምክፋል ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ቢሮ ቁፅሪ 16 ምዉሳድ ይከኣል
  5. ተጫራታይ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት መጋዓዚ ባዕሉ ናብ ትካልና ንብረት ክፍሊ ዘቅርብ
  6. መእሰሪ ዉዕሊ 10% የትሕዝ
  7. ዝምላእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ ታክስ ሓዊሱ ይመልእ
  8. ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ካብ ዉዕሊ መዓልቲ አሕሊፉ እንተቅሪቡ ናይ ዘይአቅረቦ በቢ መዓልቱ 0.1 % ይቅፃዕ
  9. መክበሪ ጨረታ ሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ዘትሕዝ ኮይኑ ንሃለቅቲ ንብረት ንኤለክትሮኒክስ ንመለዋወጢ ሳይክልን መለዋወጢ ሞተር ሳይክልን 5000 ቅርሺ ንመድሓኒት እንስሳ ንፈርኒቸር ንናዉቲ ትምህርቲ ንአቁሑት ፅሬት ንመሳርሒ ፅሕፈተ ከምኡዉን ንዕጥቂ ስፖርት ሕትመትን ድማ 3000 ቅርሺ ከትሕዝ አለዎ
  10. ትካልና 20% ናይ ምንካይን ናይ ምዉሳክን ከምኡዉን ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለዉ እዩ
  11. ኣብ ዝመልኦ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ካብ ኦርጅናል ንብረት ወፃእ ምቅራብን ክተቅርብ ምፍታንን ኣይፍቀድን
  12. ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 1 ጳጉሜን 2008 ዓም ክሳብ 11 መስከረም 2008 ዓም ኮይኑ 11 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይከዉን

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344443173 ወይ 0919058792 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ኮሌጅ ሕርሻ ሽረ እንዳስላሰ