1 ኣብ ጨረታ ናይ መኪና ጎማን ባትሪን ፡ አሌክትሪክ ሞተር ሳይክልን ዝሰተፉ ትካላት ኮይኖም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድ መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎም ፡ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም
2 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ መረዳአታ ሒሳብ ዘቅረብሉ ከቅረቡ ዝክእሉ
3 መከበሪ ጨረታ ናይ መኪና ጎማን ባትሪን 20000 ፡ አሌክትሪክ ሞተር ሳይክልን 10000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ባንኪ ብዘይሳዓር ሌተር ኦፍ ክሪዲት ዝቀርብ ዉሕስና ጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ከዓ ናይ ክፍሊ ትእዛዝን
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 150 ቅርሺ ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ክትወስዱ ትክእሉ
5 ጨረታ ዝዕፀወሉ 2/9/2017 ዓም ሰዓት 3፡30 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡00 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ንኡስ ከይዲ ዕደጋ ይከዉን
6 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቆሒ ካብ 18/8/2017 ዓም ክሳብ 2/9/2017 ዓም ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ምስተገዘእ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ዋናን ቅዳሕን ብክልተ ፖስታ ዘቅርቡ ይኮኑ
7 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 40 መዓልቲ ይከዉን
8 ኣድራሻ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናስን ዝርከብ ኣብ ኮምፐሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ ብሎክ ሐደ ኣብ ቀደማይ ቀፅሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እዩ
9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342400158