ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/731/0-01
ዕለት 16/07/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ዝውገድ ንብርት ቑፅሪ 02/2017 ዓ/ም
ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ኣብ ውሽጡ (ግቢ ውሽጢ) ኣብ ዘለዉ ስቶራት ዝርከቡን ግልጋሎት ዘይህቡን ዝተፈላለዩ ቀወምትን ሃለቕትን ንብረታት ብፕሮፎርማ _ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ኣማሊእኹም ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ምውድዳር ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር።
መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/
1/ ተጫረቲ ናይቲ ዝሽየጥ ዝርዝር ንብረት ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 ( ሓምሳ ብር ) ብምኸፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ካብ ዕለት 16/07/2017 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 18/07/2017 ዓ/ም ኩሉ ገዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት መፂእኹም ክትወስዱ ትኽእሉ ።
2 / እቲ ጨረታ ዕለት 19/07/2017 ዓ/ም ቅድሚ ቐትሪ ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኸፈት። ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ።
3/ ኣብ ሰነድ ጨረታ መሊእኹም እተእትውዎ መወዳደሪ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ብግልፂ ዝንበብን ክኸውን ኣለዎ ።
4 / ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ዋጋ ብር 2000 ( ክልተ ሽሕ ብር) ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ኣለኩም።
5/ ተጫረቲ ናይቲ እትወዳደሩሉ ንብረት ኩነታት ብኣካል ብምርኣይን ግልፂ ዘይኮነልኩም እንተሃልዩ ድማ ንዝምልከቶ ብዓል ሞያ ንብረት ክፍሊ ብምሕታትን ኣረጋጊፅኩም ዋጋ መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ተቕርቡ።
6 / ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራቲ ሰዓራይ ምዃኑ ብደብዳበ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ገንዘብ ኣታዊ ብምግባር/ብምኸፋል ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ የልዕል ፤ ኣብቲ ዝተጠቐሰ እዋን እንተዘይ ኣልዒሉ ግን ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ዝውረስ ይኸውን ።
7/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 03-44-40-45-92 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል ፡፡