ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

ንካልአይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ዝዉገድ ንብረት

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ዘገልገሉ ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑ ካልኦት ናይ ቢሮ አቑሑን አብ ሰነድ ጨረታ ብዝተዘርዘሩ መሰረት ብጨረታ አወዳዲሩ ከወግድ ይደሊ፡፡

ተጫረቲ ክማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቓሒታት

1. ተጫረቲ ናይዚ ዓመት 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቲን ቁፅሪን ብንፁር ዘርኢ ኮፒ አተሓሒዞም ከቕርቡ ኣለዎም።

2. ሰነድ ዝርዝር ካብ ኮ/ል/ፓ/ኢ/ት ትግራይ ጥቓ ዋና ቢሮ ደደቢት ማክሮ ፋይናንስ ፊት ንፊት ወይ ጎኒ ወይዘር ህንፃ 2” ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 208 ካብ ዕለት 27/06/2017 ዓ.ም እስካብ ዕለት04/07/2017 ዓ.ም ጀሚርኩም ብነፃ ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ትኽእሉ፡፡

3. እዚ ጨረታ ዕለት 04/07/2017 ዓ.ም ሰዓት -3፡30 ተዓዕዮ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ብግልፂ ይኸፈት።

4. ኣብ ጨረታ መኸፈቲ ዕለት ኩሎም ተጫረቲ ክርከቡ ንዕድም ኮይኑ ግን ተጫረቲ በቲ ዕለት ተዘይተረኺቦም ጨረታ በቲ ሰዓትን ዕለትን ዝክፈት ምዃኑ ነፍልጥ፡፡

5. ዝቀርብ ናይ ንግዲ መረዳእታ ኮፒ ብንፁር ዝንበብ ክኸዉን አለዎ፡፡

6 ኣብ ዝወሃበኩም ዋጋ መምልኢ ሰነድ ጨረታ ማህተም ክዓርፎ አለዎ፡፡

7. አብቲ ዝቀርብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸዉን አለዎ፡፡

8. ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ከልዕል አለዎ፡፡

9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0945987632 /0914741329 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡