ናይ ዝውገድ ንብረት ግልፂ ጨረታ ምልክታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኣብ ዝተፈላለያ ሴክተራት ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ዝርከብ ዝተፈላለየ ዘገልገለን ብፀላእቲ ዝዓነወን ዝተሰባበረን ናይ ቢሮ ኣቅሑት፥ ፈርኒቸራትን ኤለክትሮኒክስን ማለት ኮምፒተር፣ ላፕቶፕ፣ ፎቶ ኮፒ ማሽን፣ ፍሪጅ ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ናይ መኪና ቅያር ሰፐር ጎማ፥ ባትሪ፤ አለሙኔም፥ ብረታብረት /ረታመ ካልኦትን ወዘተ ንመላእ ነበርትን ንግዲ ማሕበረሰብን ከተማ መቐለ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቋሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ተጫረቲ ቅድሚ ወራር ዝተሓደሰ ናይ ነባራይነት መለለዪ ካርድ ማለት መታወቅያ ከቕርብ ዝኽእል
2. ዝኾነ ይኹን ንግዲ ፍቓድ ንዘለዎም ድማ ናይ ዘመኑ ግብሪ ብምኽፋል ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፡ ደኣንት ንዝኾኑ ድማ ዝተሓደሰ ናይ ደኣንት ሰርቲፊኬት ከቕርቡ ዝኸእሉ።
3. ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ኬዝቲም ንብረት ምምሕዳር ቁፅሪ 8 ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/06/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ብር 100.00 /ሓደ ምኢቲ ጥራሕ ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል። እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ዝተዓሸገ ኤንቬሎፕን ናይ ተጫረታይ ሽምን ፊርማን (ማህተም እንተልዩ ማሕተምን) ብምግባር ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ይከኣል።
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ እውን ብጥረ ገንዘብ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ከትሕዙ ኣለዎ።
5. ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/072017 ዓ/ም ንጉሆ ስዓት 3:30 ይኸዉን።
6. ጨረታ ዝኸፈተሉ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊያን ወኪላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕለት 05/072017 ዓ/ም ንጉሆ ስዓት 4፡00 ይኸፈት።
7. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8. ኣድራሻና ቀበሌ 03 ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ህነፃ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን/ እዩ።
9. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 34 ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል እዩ።