ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት

1 ቀፂሎም ተዘርዚሩም ዘለዉ ንብረታት መከበሪ ጨረታ 4000 ቅረሺ ጥራሕ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈትና አስሪሒኩም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል
2 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ሒሳብ ቁፅሪ 1000296481948 ኣታዊ ምስገበረ ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ናይ ምልዓል ግዴታ አለዎ

3 ኣብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲታት እነዘትኣልዐሊ ብመሰረት መምርሒ ንብረት ምምሕዳር እቲ ዝተትሓዘ ጨረታ መከበሪ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ዝከዉን ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

4 መመሊኢ ዋጋ ዘገልገለ ንብረት ጨረታ ካብ ዕለት 18/6/2017 ዓም ክሳበ 2/7/2017 ዓም ክሳብ 1100 ጥራሕ ቤት መዘጋጃ ዓድግራት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ስራሕ ሰዓት 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ምዉሰድ ትክእሉ

5 እቲ ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት መዘጋጃ ዓድግራት እንትከዉን ተጫረቲ ብናይ ባዕሉ ሙሉእ ዋፃኢ መጎዓዚ ዝሽፍን ምኮኑ አቀዲሙ ክፈልጥ አለዎ

6 እቲ ንብረት ኣብ ዝርከበሉ ቦታ በኣካል መፂእኩም ንዕለት 27/6/2017 ዓም ንዕለት 28/6/2017 ዓም ክትሪእዉ ትክእሉ ኢኩም

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ቅዳሕን በበይኑ ዓሺግኩም ናብ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ክትገብሩ አለኩም

8 እዚ ጨረታ ዕለት 3/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ሰልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 314 ይክፈት

9 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽምን ፊርማን ክትገብሩ ይግባእ

10 እቲ ንብረት ኣብ እዋን ቁፀራ ከዉስክን ክቅንስን ዝክእል ምኮኑ ኣቀዲምኩም ክትፈልጡ ይግባእ

11 ብኪሎ ንዝሽየጥ ንብረታት ሰዓራይ ተጫረቲ ናይ ባዕሉ ሚዛን ምቅራብ ግዴት ከምዝለዎ አቀዲሙ ክፈልጥ አለዎ

12 ቤት ፅሕፈትና ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0913932444 0920761693  ምሕታት ይከኣል