ኤጀንሲ ልምዓት ኣባይቲ

ምልክታ ጨረታ

ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ 12 ናይ ንግዲ ገዛውቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከካሪ ይደሊ፡፡ ማለትወን 9 ናይ ንገዲ ገዛ ንኩሎም ነጋዶ እንትክውን 3 ናይ ንግዲ ገዛ ድማ ንኣካልጉዳኣት ኹናትን ንስድራ ስወኣትን ነጋዶ ይኾወን። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

1.1 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቑፅሪ TIN

2. ነቲ ናይ ንግዲ ገዛ ዕገና ዛድልዮ እንተኾይኑ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣፀጊኑ ንምክራይ ዝኽእል።

3. ኣብ ናይ መንግሰቲ ናይ ንግዲ ኣባይቲ ጨረታ ዝሳተፉ ተጫረቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ምጭብርባርን ዘይሕጋዊ ስራሕ ዘይሰርሑን መጠቅቕታ ዘይብሎም።

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ : ዘይምለስ ብር 200.00 ( ሰለስተ ምኢቲ ብር) ብምኽፋል - ካብ ቢሮ ቁፅሪ 15 ምውሳድ ይኽእሉ፡፡

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 14/06/2017 ዓ/ም ክሳብ 28/6/20177ዓ/ም ሰዓት 9:00 ምእታው ይኽእሉ፡

6. እቲ ጨረታ ዕለት 28/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኽፈት፡፡

7. ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ተጫረትቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተተረኸቡ ይምረፅ፡፡

8. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 30,000.00 (ሳላሳ ሽሕ ብር) ሲፒኦ ወይ ናይ ባንኪ ውሕስና ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

9. እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልክታት ቁፅሪ 0344418512/ሞባይል0914778288/ 0953023396 ወይድማ ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይከኣል፡፡

ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ

ኣድራሻ-ቀበሌ 16 ደደቢት ማይከሮ ፋይናንስ ጨንፈር ሃፀይ ዮወሃንስ ጥቃ /ብድሕሪ ሚልካና ካፌ