በዓል መዚ ልማዓት እቶት ትግራይ

ቁ ጨረታ.03/2017 /በጀት ዓመት

ምልክታ ጨረታ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ዓይነታ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ፣ ዝምልከተኩም ትካላት በዚ ዝስዕብ ረቑሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ዝሐደሱን

2. ተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም ፣መለለዪ/ቲን/ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገበን ምዃኖምን ናይ ህዳር/2017 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ /ድክለሬሽን/መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም፡፡

3. ተጫረቲ ናይ መኽበሪ ጨረታ ብር =5,000.00 ሲፕኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

4. ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ደኩመንት ን ዘይምለስ ብር 50 /ሓምሳ ብር/ ብምኽፋል ካብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶትክ/ትግራይ ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4ን5ን ብምውሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላው እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 05/06/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 21/06/2017 ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታው ትወዳደሩ ትኽእሉ።

5. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21/06/2017 ዓ/ም ስዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8.30 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይኸፈት፣

6. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7. ብተጫረቲ ዝምላእ ዋጋ ቫትን ብዘይቫትን ምውድዳር ይከኣል እዩ፡፡

8. ኣብ ዝቅርብ ደኩመንት ሕድሕድ ገፅ ክቢ ማሕተምን ፊርማን ክግበረሉ ኣለዎ፡፡

9. ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መፅዓን ይወስዱ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-40 18 75 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

NB ኣድራሻና ዓዲ ሓቂ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ህንፃ ይሓ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ጥቃ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ