ምልክታ ጨረታ
ቤ/ፅ ል/እቶትን ምምሕዳር ፋይናንሰ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝውዕል ፤ ናይ መድሓኒት ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ ኣውዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ።
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ተጫረቲ፤
1. ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቓድ ኣብ ዘለኩምን ኣብዚ ባጀት ዓመት ዘሓደሰኩም ወይ ድማ ግብሪ ዝክፈልኩም።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን/ ካርድዘለኩምን ፤ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ካርድ ዘለኩም ናይ 2017 ዓ/ም መረዳእታ እትኽእሉ ንሓደ ዶክሜት ዘይምለሰ ብር 300 /ሰለሰተ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ብምውሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 06/06/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/06/2017 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢነቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይከኣል።
3. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሽገሉ ዕለት 17/06/2017ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት ተዘይሃለውን ኣብ ውሽጢ ሳንድቕ ዝተረከበ ፖሰታ ብሰርዓት ይክፈትን ይግምግምን ።
4. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ መኽበሪ ጨረታ ዝኽውን ብር 5000/ ሓሙሸተ ሽሕ ብር / ብCPO / ከትሕዙ ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ መድሓኒት መኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 5000/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብCPO / ከትሕዙ ኣለዎም።
5. ተጫረቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ - ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፈርማን ባዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ሰርዝ ድልዝ እንተኾይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎን።
6. ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ተወዳዳርቲን ኣብ 3+ መዓልቲ ውሸጢ ብፅሑፍ ምሰ ቀረበልኩም ቅሬታ እንተዘይቀሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር።
7. ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫረቲ ኣብ ውሽጢ 5+ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዝትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግሰቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።
8. ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንሰ ወረዳ 2 ኣውላዕሎ ክርክብ ይግባእ።
10. ቤ/ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።
ንተወሳኺ ሓበረታ
ቤ/ፅሕፈት ል/እቶትን ምምሕዳር ፋይናንሰ ወረዳ 2* ኣውላዕሎ
ሰ/ቁ ሞባይል 0932326414 / 091469754/
ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ፋይናንሰወረዳ 2 ኣውላዕሎ
ናይ መድሓኒት ዕድጊት ዋጋ መምልኢ ሰነድ 2017 ዓ/ም
ተ/ | ዓይነት ንብረት | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | መብርሂ |
---|---|---|---|---|---|
1 | Oxyteracycline 20% LA 100 ml. injection | Vial | 150 | Expire Date2027 | |
2 | Oxytetracycline 10 SA 100 ml. injection | 100 | Expire Date2027 | ||
3 | Pen-strips 20/20 /Holand/ | 50 | Expire Date2027 | ||
4 | Fortified Procaine penicillin 4000.000 Iu | 100 | Expire Date2027 | ||
5 | Sulphadimethoxine Injection 33.3/100 ml | 25 | Expire Date2027 | ||
6 | Militiavitamins injection /Center/ | 100 | Expire Date2027 | ||
7 | Indigestion Powder 100 mg | 28 | Expire Date2027 | ||
8 | Albendazole 2 500 mg | Bolus | 4000 | Explre Date2027 | |
9 | Albendazole 300 mg | 4000 | Expire Date2027 | ||
10 | Tetraclozan 3400 mg | 1000 | Expire Date2027 | ||
11 | Tetraclozan 900 mg | 1000 | Expire Date2027 | ||
12 | Ivermectin 1% injection | Vial | 150 | Expire Date2027 | |
13 | Fembedazole ( granule 12,5 | Sachets | 60 | Expire Date2027 | |
14 | Amitraz 12.5% liquids /EC/ | Litre | 26 | Expire Date2027 |
መተሓሳሰቢ
1. ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ፤ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድን ዘለኩም።
2. ናይ ግብሪ ክፍሊ መመለዩ /ቲን ናምበር /ዘለኩም።
3. ኣብዚ ሰነድ ዝተጠቐሰ ንብረታት በዝሒ ኣብ ግዚኢት ክሳብ 20% /ሚኢታዊ/ ኸውሰክ ወ ይ ድማ ክቅንስ ይክእል እዩ።
4. ካብ ዝተቀመጠ ሰፐሰፊኬሸን ወፃኢ ኣማራፂ ምቅማጥ ምስትኸኻልን ኣይክኣል።
5. ኣ ብቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃልይዎ ድማ ፌርማ ናይ ባዓልና ዋና ክህልዎ ይግባእ ።
6. ዝሸነፈ ተጫራቲ ና ይ መጋዓዝያ ሓዊሱ ናብ ቤ/ፅሕፈትና ኣታዊ ዝገብር ምዃኑ ነፍለጥ።
7. ንብረት እንረከበሉ ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ካብ ዝተነገረሉን ውዕሊ ካብ ዝኣሰረኩምሉ ዕለት ጀሚሩ 10 መዓልቲ ናይ ካላንደር መዓልትታት ይኾውን።
8. እዚ ልዕል ክብል ዝተሓበረ ጨረታ ማለት ጠቅላላ ዋጋ መሰረት ኣብ ሕድ ሕድ መድሓኒት ከቕ ርብ ዘይከኣለ ተወዳዳራይ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ 1/1000 ኣብ መዓልቲ መቕፃዕቲ ኣታዊ ዝገብር ምዃኑን ሕብር።
9. እቲ መድሓኒት ፅሬቱ ብባዓል ሞያ ምስተረጋገፅ ብውዕሉ መሰረት ክፍሊት ክንፍፅም ምዃና ንሕብር።
10. ኣብ እዋን ጨረታ ተጫረቲ ዘርእይዎ ዝኮነ ይኩን ዘይሕጋውን ናይ ምጭብርባር ተግግባርን /ፅሕፈትና እንተተረጋገፁ ሕጋዊ ሰጉምቲ ንወሰድ ምካኑ ነተሓሳሰብ።
11. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 45 * መዓልቲ ናይ ካላንደር መዓልትታት እዩ።