1 ተጫረቲ ኣግባብነት ዘለዎ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምኮኖም ዝገልፅ መረዳእታት ወረቀት ምስክር መቅረባይነትን ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
2 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ንኣቅሑት ኤሌክተሮኒክስ 200 ቅርሺ : ደንቢ ደንቢ ልብስ 200 ቅርሺ : ንፀባ 200 ቅርሺ : ንዝዉገድ ንበረት 200 ቅርሺ ምክፋል ኣብ መቀለ ዋና ቤት ፅሕፈት ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ምዉሳድ ይክእሉ
3 ሰዓራይ ጨረታ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ወይድማ ብዉሕስና ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ወይድማ ብፖስታ ሳንዱቅ ቁፅሪ 14 ምልኣክ ይክእሉ
5 ሰዓራይ ጨረታ ዝኮነ ተወዳዳራይ ምስ ሰዓሩ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲታት ናብ ኢንተርፕራዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ብኣካል ብምቅራብ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ
6 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ዉዕሊ እንተይዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ብሙሉኡ ተወሪሱ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ
7 ሰንዱቅ ጨረታ 21/6/2017 ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወካለቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
8 እቲ እንተርፕራይዝ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ 0344416727 / 0914744474