ማእኸላይ ቤት ፍርዲ መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ብኣፈ/ኸሰስቲ ፦ እኒ ዙፋን ነጋሲ 4 ቁ.ሰባት

ብኣፈ/ተኸሳሲት ፦ ወ/ሮ ገዙ ገ/ማርያም

ንዘሎ ናይ ፍታብሄር ክርክር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ኣብ ርስተ መዝገብ ቁፅሪ 43523 ብሽም ኣፈ/ ተኸሳሲት ወ/ሮ ገዙ ገ/ማርያም ዝተመዝገበ መዋሰኒኡ፦ ምብራቅ፦ ሰመረ ኣለማዮ፣ ምዕራብ፦ ነጋ ወ/ትንሳኤ ፣ ሰሜን ፦ መንገዲ፣ ደቡብ፦ ገ/ሃንስ ካሕሳይ ስፍሓት መሬት 325 ሜ.ካ ዝኾነ ብመበገሲ ዋጋ ብር 1,956,799.80 ( ሓደ ሚልዮንን ትሽዓተ ሚኢትን ሓምሳን ሽዱሽተን ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ቴስዓን ትሽዓተን 80/100) ንዕለት 08/07/2017 ዓ/ም ካብ ስዓት 3:00 እስካብ 6:00 ቅድሚ ስዓት ብግልፂ ጨረታ ስለዝሽየጥ ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብቲ ገዛን ቦታን ዝርከበሉ ኾይኑ ናይ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ሽዑ ንሽዑ ናይቲ ዝሰዓሮ መጠን 25%(ዒስራን ሓሙሽተን ሚኢታዊ) ዘትሕዝ ምዃኑ፣ ዝተረፈ 75%(ሰብዓን ሓሙሽተን ሚኢታዊ) ድማ ኣብ ውሽጢ 15ተ መዓልቲ ዝኸፍል ምዃኑን ንመንግስቲ ዝኽፈል ሽም መዛወሪ ብጨረታ ሰዓራይ ዝሽፈን ምዃኑን ፈሊጦም በቲ ዝተጠቐሰ ዕለትን ስዓትን ተጫረቲ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ክሳተፉ ዞባ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።