ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ክ/ከተማ ሰሜን ፍሉይ ሽሙ ስውሒ ንጉስ ዝተብሃለ ህንፃ ዝዓረፎ ፡ ፊቱ መሬት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከካሪ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ብኣካል እቲ ቦታን ህንፃን ብምርኣይ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 20,000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ፣
2. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
3. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር ነናይ 3 ወርሒ ኣቐዲሙ ክኸፍል ዝኸእል፣
4. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
5. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
6. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
7. እዚ ጨረታ ዕለት 07/06/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡