ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ኣፈ/ከሳሲት ፦ ወ/ሮ መሰረት ተ/ሃይማኖት
ኣፈ/ተኸሰስቲ ፦ 1. ኣይተ ያሬድ ሙሉጌታ
2. ኣይተ ኣብርሃም ሽቛር
መንጎ ብዘሎ ክትዕ ኣፈፃፀም ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ዝርከብ ብሽም ኣፈ/ከሳሲትን ኣፈ/ተኸሰስትን ብሓባር ተመዝገቡ ዝርከብ መዋሰኒኡ ብምብራቕ መንገዲ፣ ምዕራብ መንገዲ፣ ሰሜን ኣይተ ወንድማገኝ፣ ደቡብ ኣይተ ገ/መድህን ዝኾነን 500.00 ሜ/ካ ስፍሓት ዘለዎ ገዛን ቦታን ብመበገሲ ግምት ዋጋ ብር 7,158,348.25 /ሸውዓተ ሚልዮንን ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ሸሞንተን ሽሕን ሰለስተ ሚኢትን ኣርባዓን ሸሞንተን ብር ምስ 25/100 ሳ/
ብጨረታ ክሽየጥ ስለዝኾነ ተጫሪቱ ክዕድግ ዝደሊ ዕለት 18/06/2017 ዓ.ም ካብ ሰዓት 3፡00 ክሳብ ሰዓት 6፡00 ኣብ ዝካየድ ጨረታ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቦታ ብምርካብ ንክጫረትን ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮ 25% ወድያዉኑ ብምትሓዝ ዝተረፈ 75% ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ኣታዊ ንክገብር ዝግደድ ኮይኑ ውፅኢት ጨረታ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡00 ክቐርብን ማእኸላይ ቤ/ፍ/ዲ ከተማ መቐለ ኣዚዙ :: 0911622777