ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝዉገድ ንብረት
ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረት ዘገልገሎ ናይ መኪና መለዋወጢ አቑሑን አብ ሰነድ ጨረታ ብዝተዘርዘሩ መሰረት ብጨረ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
ተጫረቲ ክማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቓሒታት
1. ተጫረቲ ናይዚ ዓመት 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ቑፅሪን ካልኦት ኣድለይቲ መረዳታ ብንፁር ዘርኢ ኮፒ አብ ፖስታ ዓሽጎም ኣተሓሒዞም ከቅርቡ አለዎም።
2. ናይዚ ሰነድ ዝርዝር ካብ ኮ/ል/ፓ/ኤ/ ትግራይ ጥቓ ዋና ቢሮ ደደቢት ማክሮ ፋይናንስ ፊት ንፊት ወይ ጎኒ ወይዘር ህንፃ 2 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 208 ካብ ዕለት 17/04/2017 ዓ.ም እስካብ ዕለት 28/04 /2017 ዓ.ም ጀሚርኩም ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ትኸእሉ
3. እዚ ጨረታ ዕለት 28/04 /2017 ዓ.ም /ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓዕዮ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብዘለዉዎ ብግልፂ ይኸፈት።
4. ኣብ ጨረታ መኽፈቲ ዕለት ኩሎም ተጫረቲ ክርከቡ ንዕድም ኮይኑ ግን ተጫረቲ በቲ ዕለት ተዘይተረኺቦም ጨረታ በቲ ሰዓትን ዕለትን ዝኸፈት ምዃኑ ነፍልጥ
5. ኣብቲ ዝቐርብ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክከዉን አለዎ ፡
6. ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 7 (ሸዉዓተ) መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ከልዕል አለዎ
7. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
8. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342417669 /0914112429 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል ፡፡