ጨረታ ምልክታ
ትካልና ቢኤምኣር ሪል እስቴት ሓ/ዝተወ/ው/ማሕበር ኣብ ከባቢ ማይ ነብሪ ናይ ጅፕሰም ፋብሪካ ፕሮጀክት ናይ ኬንችን ቆርቆሮ ስራሕቲ ንምስራሕ ስለዝደለየ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/04/2017 ዓ.ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ትወዳደርሉ ፕሮፎርማ ክተቕርቡ እንዳገለፅና ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግበአኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ምዃኑ ንሕብር።
1. ብዘርፉ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ።
2. ቲን ናምበር ዝተመዝገበሉ ሰርቲፍኬት ከቕርብ ዝኽእል ።
3. ቫት ተመዝጋቢ ኮይኑ ዝተመዝገበሉ ሰርቲፍኬት ከቕርብ ዝኽእል።
4. ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ እቲ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።
5. ዘእተውዎ ዋጋ ቅድሚ ቫት ወይ ድሕሪ ቫት ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ።
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ብኦርጅናልን ኮፕን ኮይኑ ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቐርብ ኣለዎ።
7. እቲ ስራሕ ዝስራሕ ኣብ ከባቢ ማይ ነብሪ ሳይት እዮ።
8. ቅድሚ ሕዚ ብተመሳሳሊ ዝሰርሖ ስራሕ ልምዲ ናይ ክልተ ፕሮጀክት ከቕርብ ዝኽእል ፡፡
መተሓሳሰቢ፦ ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ኣድራሻና፦ ኣብ ከባቢ ዋና ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ፊት ንፊት ዝርከብ ህንፃ ኤክስፖ ቁ-1 6ይ ደብሪ