ሆስፒታል ማያኒ ሽራሮ

1 ናይቲ ዘፈር ናይ 2016 ወይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ናይ 2017 ዓም መቅረባይነት ዘለኩም : ናይቲ ዘፈር ብቅዓት መረጋገፂ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ከፋሊ ግብሪ ቲን ናምበር ማለት እዉን መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ዘለኩም

3 ንመከበሪ ጨረታ 10000/ ዓሰርተ ሽሕ/ ቅርሺ ከምእዉን ተወዳዳራይ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ካብ ጠቅላላ ዋጋ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 12 ሕዳር 2017 ዓም ክሳብ 27 ታሕሳስ 2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ  ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ንዕድም

5 ሰዓራይ ምካንኩም ምስተረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ ትክእሉ

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 27 ታሕሳስ 2017 ዓም ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 27 ታሕሳስ 2017 ዓም 3:30 ቅድሚ ሰዓት ይከዉን

7 ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ናብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

8 ተወዳደርቲ ዝሰዓርክምዉ መድሃኒት ወይ ናዉቲ ህክምና ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንብረት ክፍሊ ከረክቡ ዝክእሉ

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ልቢ በሊ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ሰደቃ ብፅሬትን ብንፁርን ክምልኣ ይግባእ