1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም
2 በቲ ዘፈር ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመት ፍቃድ ንግዲ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ዝሐደሰ
3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝሐዘ ኮይኑ መሳርሒ ፅሕፈት፡ ኤሌክትሮኒክስ ፡ ፕላስቲክ ቲዩብን ጥራይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝግቡን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2016 ዓም ሒሳብ ዘወራደርሉ መረዳእታ ዘቅርብ ክከዉን አለዎ
4 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 4/2/2017 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 18/2/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድም ቀትሪ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ንብረት ምምሕዳርን ቢሪ ቁፅሪ 7 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል
5 ዝሰዓረ ተጫራታይ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ መጎዓዝያን ካልኦት ወፃኢታትን ብናይ ባዕሉ ብምሽፋን ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ከቅርበ ዝክእል
6 መከበሪ ሰነድ ጨረታ ቢድ ቦንድ መሳርሒ ፅሕፈት 20000 : ኣቅሑት ፅሬት ን መኪና ጎማን 5000 ቅርሺ : ኤሌትሮኒክስ 5000 ቅርሺ : ኣቅሑት ቢሮ : ዘይቲ ሞተርን መኪናን : መሳርሒ ህንፃ : ሕትመትን 3000 ቅርሽ : ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል 10000 ቅርሺ : ፕላስቲክ ቲዩብን 15000 ኮይኑ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ማለት ስፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመሰረት ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል
9 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎ ካይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ብናይ ባዕሉ መገዓዝያ እቲ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ከቅርብ ዝክእል
10 ሰነድ ጨረታ 4/2/2017 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 18/2/2017 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣታዊ ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ንጎሆ ዝክፈት ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከለቶም ብዘይምህላዎም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን
11 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ገዘ ካብ 30 ማዕልቲታት ዘይበልፅ ይከወን
12 ተጫረቲ ንዝቅርብዎ ንብረት ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ብዘቅርቦ እስፐስፊኬሽን ማለት እዉን ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት የቅርብ
13 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ምውሳክን ምንካይን ዝክእል ኮይኑ ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ
14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914175554 / 0914787245 / 0946468445 / 0914744942