ቤት ፅሕፈት ሕውየትን እግሪ ምትካልን ጉድኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ሕውየትን እግሪ ምትካልን ጉድኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ ኣብ 03 ናይ ቅድም መለስ አካዳሚ ዝነበረ ሕዚ ማእኽል መሐብሕቢ ጉድኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ ግቢ ዝርክብ ሳዕሪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክነረት ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ኣማሊእኹም ንኸትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ኣብ ሓፂር ግዜ ማለት ሰዓራይ ምኻኑ ምስ ኣርጋግፅ ኣብ ውሽጢ 10 ተኸታታሊ ማዓልቲ ክልዕል ዝኽእል

2. ትራንስፖት ካብ ባዕሎም

3. ሳዓራይ ምኻኖም ምስ ኣርጋገፁ 100% ዝሰዓርዎ ዋጋ ንቤት ፅሕፈት ሕውየትን እግሪ ምትካልን ጉድኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ ኣታዊ ዝገብር

4. ተወዳድርቲ ኣብ 03 ናይ ቅድም መለስ አካዳሚ ዝነበረ ሕዚ ማእኽል መሐብሕቢ ጉድኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ ግቢ ዝርክብ ሳዕሪ ብኣካል ከይዶም ብምርኣይ ናይቲ ሳዓሪ ዋጋ የቐምጡ

5. ምኽብሪ ጨረታ ብጥረ ገንዝብ 5000 ብር ክትሕዝ ዝኽእል

6. መግዝእ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም ክገዝኡ ዝኽእሉ

7. ግልፂ ጨረታ ካብ ዕለት 09/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 14/01/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ/ሰዓት ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 13/01/2017 ዓ/ም ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ዝኸፈት ይኸውን፡፡

8. ኣብ ከይዲ ግልፂ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ በቲ መመርሒ ጨረታ 5/2016 መሰረት ካብ ውድድር ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝግበር ጨረታ ናይ ምስራዝ መስል አለዎ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኺቡ እቲ ግልፂ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ኣድራሻና 03 ቀበሌ መለስ አካዳሚ ዝነበረ ናይ ሕዚ ማእኽል መሐብሕቢ ጉድኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ ግቢ ፊትፊት ኮንዶሚንዮም ንርከብ።

11. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል ።