ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ

1 እዚ ጨረታ ካበ ዝተቀለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ፕሮፎርማ ማለተ እዉን ናይ ዋጋ መቅረቢ ብስምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 21/10/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ናብ ፋብሪካ ስሚንቶ ክትቀረቡ አለኩም

2 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይቲ እስክራፕ ኩነታት ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 12/ሰነ/2016 ዓም ክሳብ 21/ሰነ /2016 ዓም ብኣካል እስክራፕ ንብረት ኣብ ዝርክበሉ ፋብሪ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ኣብ ሓፁር ዉሽጢ መፂኦም ክሪኡ ይክእሉ

3 ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 315 ምዉሳድ ይከኣል

4 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ጨረታ ሰነዶም ከቅረቡ ዝክእሉ

5 ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ ቅድም ምክፋቱ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚእታዊ ብመልክዕ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም ብተወሳኪ ሰዓራይነቱ ምስተረጋገፀ 10 ሚእታዊ ናይ ስራሕ ዉሕስና ንጨረታ ዘትሓዞ 2 ሚእታዊ ይልቀቀሉ

6  እቲ ጨረታ 21/10/2016 ሰዓት 4:00 ናይ ንጎሆ ተዓፅዩ  ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:15 ናይ ንጎሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወክልቶም ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ይክፈት

7 ፋበሪካ ስሚንቶ መሶበ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበር ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ጨረታ ዝሰዓረ ተወዳደሪ ብፁሑፍ ምስ ኣፍለጥና ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲታት ገንዘብ አታዊ ክገብር ዝክእል

9 ጨረታ ዝሰዓረ ተወዳደሪ እንተነዉሐ ኣብ ዉሸጢ 20 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ከልዕል አለዎ ኣብ ዝተጠቀሰሉ መዓልቲ ከልዕል እንተዘይኪኡሉ ናይ እስክራፕ ዉሕስና ናብ ትካል ሒሳበ አታዊ ከምዝከዉን ክንገልፅ ንፈቱ

10 ብተወሳኪ ድማ ናይቲ ጨረታ መሸጣ ዝወፀ ንብረት መጠን ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ

   ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344409272