ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ኣብ 11‛ ወረዳታት ትግራይ እንዳ መኾኒ ፣ 20 ዓዲ ወጀራት ፣ ሕንጣሎ ፣ ፀራእ ወንበርታ ፣ኣፅቢ ወንበርታ ፣ ገርዓልታ ፣ ክልተ-ኣውላዕሎ ፣ ሱቡሓ ሳእስእ ፣ ኢሮፕ ፣ ሓውዜንን ኣበርገለን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ትካልና ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት ምግቢ ንምጉዕዓዝ ናይ ፅዕነት ግልጋሎት ትራንስፖርት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ብምውድዳር ንሹዱሽተ ወርሒ ዝፀንዕ ዋጋ መሰረት ብምግባር ውዕሊ ብምእሳር ናብዞም ኣብ ዋጋ መውሃቢ ዝተጠቀሱ ቦታታት ንሙጉዓዝ ወይ ንምፅዓን ብምውድዳር ግልጋሎት ትራንስፖርት ክረክብ ይደሊ:: ነዙይ መሰረት ገይርኩም እዞም ዝስዕቡ ሮቃሕታት እተማልኡ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም፡፡

1. በዚ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /TIN/ ከቅርብ ዝኸእል

3. ሕጋዊ ተኸታተልቲ ደረሰኝ ከቅርብ ዝኸእል

4. ናይ መኪና ሊብሬ ከምኡ እውን ኢንሹራንስ ዘለዋ ሙዃኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል

5. ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ክወስድ ክወስድ ይኸእል፡፡

6. ብመቅረባይ ዝምላእ ዋጋ ትካል ካብ ዘቅረቦ ናይ መውሃቢ ቅጥዒ ወፃኢ ምቅራብ ኣይፍቀድን

7. ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ መኪና እንተድሊ ዝድለያ በዝሒ መኪና ከቅርብ ዝኸእል

8. ን 6* ወርሒ ዝፀንዕ ዋጋ መሰረት ገይሩ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእልን ትካልና ናይ ግልጋሎት ሕቶ እንተቅርብ ኣብ ዝተሓተቶ እዋን ከቅርብ ዝኸእል

9. ናብዞም ኣብ ዋጋ መውሃቢ ዝተጠቀሱ ቦታታት ንምጉዕዓዝ ኣብ ዝተደለየ እዋን ግልጋሎት ክህብ ዝኸእል

10. መኸበሪ ጨረታ ብር 50,000 /ሓምሳ ሽሕ/ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ምስ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ኣሽጉ ከቅርብ ኣለዎ ።

11. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብመምርሒ ጨረታ መሰረት ተማሊኡ ብፖስታ ተዓሽጉ ማሕተምን ፊርማን ገይሮም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 28/09//2016 ዓ. ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 5/10/2016 ዓ.ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ፡፡

12. እቲ ጨረታ ዕለት 5/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ተዓፅዩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ይክፈት፡፡

13. ስዓራይ ዝፍለ ብሎት ኮይኑ ኣብ ሓደ ሎት ብድምር ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ ይኸውን

14. ሓደ ተወዳዳራይ ኣብ ሓደ ሎት ዝተዘርዘራ ቤት ትምህርትታት ኩለን ዋጋ ናይ ምምላእ ግዴታ ኣለዎ ዘይመልአ ተወዳዳይ ግና ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን

15. ሓደ ተወዳዳራይ ኣብ ኩለን ሎት ክወዳደር ይክእል 'ዩ ። ሓደ ተወዳዳራይ ስዓራይ ዝኸውን እንተበዚሑ ኣብ ክልተ ሎት ጥራይ ይኸውን ይኹን ዳኣምበር ሓደ ተወዳዳራይ ካብ ክልተ ሎት ንላዕሊ ስዓራይ እንተኾይኑ ክልተ ሎት ጥራሕ ይመርፅ ሞ እተን ካልኦት ሎታት ንቀፂሉ ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ ብናይ 1 ዝመልኦ ዋጋ ውዕሊ ይኣስር፡

16. ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ትካልና ብኣካል ብምቅራብ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዐዓልቲ ውዕሊ መክበሪ ካብ ዘሸነፎ ዋጋ 10% ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል

17. ኣብ እዋን ምኽፋት ፐርፎርማ ተወዳደርቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተሃለው ይምረፅ፡፡

18. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡