ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ

ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማመኾኒ

ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤት ፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ፅሬት ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ ሞተር ሳይክል፥ናይ ሞተር ሳይክል ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

በዚ መሰረት

01) ናይ ኣቁሑት ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 150 ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐለ ዕለት 23/09/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 11፡ 30 ኣብ ስራሕ ስዓት ኾይኑ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2' ምዃኑ ንሕብር፡፡

02) ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2016ዓ/ም ዘሐደስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

03) ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል።

04) VAT ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን፡ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TI/ ካሊእ ደኩመንትን ኦርጂናልን 2ተ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ 3ተ ፓስታ ዓሽጉ ከቕርብ ዝኽእል።

05) ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከቕርብ /ከረክብ/ ዝኽእል።

06) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መክበሪ ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ኒኒ ሕድሕዶም 10000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል።

07) ጨረታ ሳዓራይ ኣብ ውሽጢ 3' ማዕልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ፡፡ መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ክፍሊት ብዝፍፀመሉ ዓይነት ገንዘብ ካብ ናይቲ ውዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ኣብ ዕደጋ መኽበሪ ጨረታ የትሕዝ።ኣብ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ዝተሓተቶ መኸበሪ ዉዕሊ ዘየትሐዘ እንተኾይኑ መኸበሪ ጨረታ ይዉረስ።

08) ጨረታ መሸነፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ዝተዉሃቦ ማዓልቲ ኦርጅናል ንብረት ከቕርብ ዝኽእል

09) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀኒሐሉ እዋን ካብ ዕለት 23/09/2016ዓ/ም ክሳብ 03/10/2016 ዓ/ም ንተኸታታሊ10 ናይ ማዕልታት ምዃኑ ፈሊጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

10) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 03/10/2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8፡00

11) ጨረታ ሰነድ ዝኽፈተሉ ግዜ ዕለት 03/10/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ይኸዉን።

12) ጨረታ ምስ ተኸፈተተጫረቲ ኣብዘቅረብዎ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ምምሕያሽ ምግባርኣይክእሉን/

13) እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል/ ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት እንተዘይቀሪቦም ድማ ብመምርሒ ጨረታ መሰረት እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

14) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

ምስ ሰላምታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከይዲ ስራሕ ጠቕላላ አገልግሎትን ፋይናንስ ምምሕዳርን

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0914167263 ወይ 0926719395