ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንሎጅስቲክስ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ኣብ ግልጋሎት ዝወዓሉን ዘይወዓለን ንብረት ኣብ መኻን ዝርከብ ሓዱሽ ጭረት በዓል 50 ኪ/ግ ኣወዳዲሩ ብጨረታ ክሸይጥ ይደሊ ።  ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ዝስዕብ ረቓሒ እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ድኣንት ንዝኾኑ ድማ ዝተሓደሰ ናይ ድኣንት ሰርትፊኬት፣ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ( ቲን ቁፅሪ) ብቅዳሕ ( ኮፒ )፣ ናይ ነባራይነት መለለይ መንነት መታወቅያ ካርድ ክተሓሕዝ ዝኸእል፡፡

2. መጫረቲ ሰነድ ንተወዳዳርቲ ክፉት ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 23/09/2016 ክሳብ ዕለት 7/10/2016 ዓ/ም ስዓት 4:00 ቅደሚ ቀጥሪ ይኸውን ፡፡ ጨረታ ዝዕፀወሉ 4:00 ተዓፅዩ ዝኸፈተሉ ድማ ብተመሳሳሊ ዕለትን ስዓትን 4:30 ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት ከይኑ ግና ተጫረትቲ ዋላ ኣይረኸቡ ነቲ ጨረታ ዘዕንቅፍ ኩነታት እንተዘይሃልዩ ጨረታ ዝኸፈት ይኸውን ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ካብ ቀበሌ 03 ድሕሪ ጥቓ እንዳማርያም ጉጉሳ ቤተ ክርስትያን ኣግኣዚ ህንፃ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ዘይምለስ 300 ብር ብምኸፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብምውሳድ ይኸእሉ፡፡

4. መኸበሪ ጨረታ( CPO) ወይ ብጥረ ገንዘብ ካብ ዝመለኦ ጠቕላላ ዋጋ 1% ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ክትሕዝ ዝኸእል።

5. ጨረታ ኣብ ኣየር ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዝተቐለሐሉ ጀሚሩ ን15 መዓልትታት ይኸውን

6. ተዓዋታይ ስዓራይ ምኸኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልትታት ናይ ዝስዓሮ ጠቐላላ ዋጋ ኣታዊ ብምግባር ንብረቱ የልዕል፡

7. ተዓዋታይ ኣብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ናይ ዝተጫረተ ጠቅላላ ዋጋ ሙሉእ ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ ብምኸፋል ኣብ ለምለም ሕሩጭ ፋብሪካን ካብ ኢንዳሰትርያል ፓርክ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ናይ ሎጅስቲክስ መኸዘን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከልዕል ዝኸእል ፡፡

8. ተወዳደርቲ ናይ ጭረትን ካልኦት ንብረታት ወካሊ መርኣያ( ሳምፕል)ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምርኣይ መወዳዳደሪ ዋገኦም ክማልኡ ይኸእሉ ወይ ይግባእ፡፡

9. ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕረቦ መበገሲ ዋጋ ኣብ ተራ ቁፅሪ 1 ንበዓል 50 ከ/ግ ንዝቐረበ ዋጋ ብተናፀል ወይ ድማ ጠቕለላ ዝለዓለ ዋጋ ንዘቕረቡ ተወዳዳርቲ ተዓወቲ ይገብር፡፡

10. ዝኾነ ተጫረቲ ድሕሪ ምዕፃው ካብ ጨረታ ምውፃእ ኣይከኣልን ፡፡

11. ተወዳዳረቲ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ጉጅለ ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 8 ምግዛእ ትኸእሉ።

12. ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ተዓሽጉ ናይ ተጫራታይ ሽምን ፊረማን ( ማህተም) እንተልዩ ማህተም ብምግባር ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዘተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ይኸእሉ፡፡

13. ቤት ፅሐፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብምኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

14. ኣድራሻና ቀበሌ 03 ድሕሪ እንዳማርያም ጉጉሳ ቤተ ክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር ከተማ መቐለ እዩ፡፡

15. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረትቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከመ ዘኾኒን ንቐፃሊ ውን ኣብ ናይ ጨረታ መንግሰቲ ከይሳተፉ ከም ዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምወሳድ ክም ዘከኣል ክፈልጡ ይግባአ፡፡

1. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ንጨረታ ዝቐረቡ ንብረታት

ሪጋዓይነት ንብረትኩነታት ንብረትመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
1ባዶ ጭረት ሓዱሽ በዓል 50 ኪ/ግ ኣብ ቱማክ ናይ ጭረት ፋብሪካ ዝተመረተ ሕትመት ዘይብሉሓዱሽቁፅሪ130,000
2ጀሪካን በዓል 20 ሊትሮዘገልገለቁፅሪ280
3ቁርፅራፅ ጨርቃ ጨርቂ ተረፍ / ምህርቲ ብግምት 16250 ኪሎ ዝምዘንቁርፅራፅብኪሎ16250

ምስ ሰላምታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ከ/መቐለ