መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ናይ ዘገልገሉ ጎማታት ፣ ካለማደርያ፣ ፍላፕ፣ በራሚልን ናይ መኪና ባትሪን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ድሌትን ዓቅሚን ዘለኩም ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም።

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2015/2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ንጨረታ ዝቐረበ ዘገልገለ ኣቑሑ 27/5/2024 G.C. ክሳብ 08/6/2024 G.C. ን14 መዓልቲ ኩሉ ጊዜ ካብ ሰዓት 2:00-11:00 ኣ.ግ ክርኡ ይክእሉ፡፡

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 27/5/2024 GG ክሳብ 08/6/2024 G.C ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ካብ ሰዓት 2:00-11:00 ኣ.ግ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚእቲ ቅርሺ) ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ክረክቡ ይኸእሉ፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ 27/5/2024 ክሳብ 10/6/2024 GC. ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ከእትዉ

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 50,000 (ሓምሳ ሽሕቕርሺ) ምስ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዞም ከእትው ይግባእ፡፡

6. ጨረታ ዕለት 10/6/2024ኣ.ኤ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣግ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣ.ግ ድሌት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡፡ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዘይሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ተጫረቲ ንሕድሕድ ኣቅሓ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ከርእዩ ዝግባእ እንትኮን ናይ ድምርን ስልሕትን ጌጋታት እንተሃሊዩ ተጫራታይ ሓላፊነት ይወስድ ትካልና ናይ ተጫራታይ ስልሕት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፊነት ኣይወስድን፡፡

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ንጨረታ ዝቐረበ ዝሰዓሩዎ ኣቑሑ ኩሉ ብቑፅሪን ብበዝሕን መሰረት ከልዕሉ ይግባእ።

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ዝሰዓሩዎ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ከልዕሉ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሓዞዎ ጥረ-ገንዘብ ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡፡

12. ሰዓሪ ተጫራቲ ንብረት እንትርከቡ ናይ በዝሒ ኣፈላላይ እንተጋጢሙ በቲ ዝተረኸበ በዝሒ መሰረት ኣቕሑ ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ።

13. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዚ ጨረታ ምልዓል ዝተትሓሓዙ ኩሉ ዓይነት ወፃኢታት ማለት ናይ ሰብ ሓይሊ፡ ናይ ትራንስፖርት---ወዘተ ኩሉ ባዕሉ ክኸፍል ይግባእ፤ ትካልና ምስዚ ጨረታ ዝተትሓሓዘ ምንም ዓይነት ናይ ሰዓሪ ተጫራቲ ወፃኢታት ኣይሽፍንን።

14. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ብስልኪ ቑፅሪ +251 914708567 ወይድማ +251914726169ምድዋል ይክእሉ።