2ይ ብርኪን መሰናድኦን ቤት ትምህርቲ መሰቦ

ቑፅሪመሰ 1/3-7087/27/35

ዕለት 07/09/2016ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ሓፈሻዊ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ ካብ ውሽጢ ኣታዊ ባጀት ዝረከቦ ገንዘብ ንምምሃር ምስትምሃር ዘድሊ ንብረት ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ስለዚ ነዚ ሮቋሒ ተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።

መወዳደሪ ሮቋሒ፤

1. በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ምዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት፣ ናይ ድርጅት ባዓል ዋና ሕጋዊ ማሕተምን ፊርማን ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣተሓሒዝኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

2. እቲ ፕሮፎርማ ካብ 07/09/2016ዓ/ም ዓ/ም ክሳብ ዕለት 09/09/2016ዓ/ም ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ፀነሐ ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 12/09/2016ዓ/ም ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ስዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ ይኸውን።

3. እዚ ፕሮፎርማ እዚ ከም ውዕሊኾይኑ የገልግል።

4. እቲ ቤት ትምህርቲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

5. ዘሸነፈ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ ከቅርብ ዝክእል።

6. ንብረት ኣብ እዋኑ ፅሬቱ ዝሓለወ ዘየረከበ መቅረባይ 10% ናይቲ ዋጋ ብመልክዕ ቅፅዓት ናብ መንግስቲ

ካዝና ኣታዊ ይገብር።

7. ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰመቦ ቁፅሪ‐02 ክትወስዱ ትክእሉ።

8. ኣድራሻና ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ ክ/ከተማ ሰሜን ጣብያ መለሰ ቁሸት ላጪ ጥቃ እንዳኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስትያን ንርከብ።

9. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣሎዎ ማለት እውን ንፁር

እንተዘይኾይኑ ምስ ቫቱ ከም ዝኾነ የሕሰብ።

10. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ኣለዎ።

11. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስ ወይ ምውሳክ ይኽእል።

12. ተወሳኪ ሓበሬታ ብ ስ/ቁ 0914765469/0945797986 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትክእሉ።