ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ

ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤትፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፥ ኤሌክትሮኒክስ፥ ሞተር ሳይክል ናይ ሞተር ሳይክል ጎማ፥ ፅሬት ኣቑሑን፥ ተኸሊታት ዝኸዉን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፣፣

በዚ መሰረት

01) ናይ ኣቁሑት ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 150 ብምኸፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 16/08/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 11፡ 30 ኣብ ስራሕ ስዓት ኾይኑ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2' ምዃኑ ንሕብር፡፡

02) ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2016ዓ/ም ዘሐደስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

03 ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል።

04) VAT ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን፣ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ / ካሊእ ደኩመንትን ኦርጂናልን 2ተ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ 3ተ ፓስታ ዓሽጉ ከቕርብ ዝኸእል።

05) ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከቕርብ ከረክብ/ ዝኽእል።

06) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መክበሪ ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ኒኒ ሕድሕዶም 10000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል።

07) ጨረታ ሳዓራይ ኣብ ውሽጢ 3' ማዕልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ፡፡ መኸበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ክፍሊት ብዝፍፀመሉ ዓይነት ገንዘብ ካብ ናይቲ ውዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኸበሪ ኣብ ዕደጋ መኸበሪ ጨረታ የትሕዝ።ኣብ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ዝተሓተቶ መኸበሪ ዉዕሊ ዘየትሐዘ እንተኾይኑ መኸበሪ ጨረታ ይዉረስ።

08) ጨረታ መሸነፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ዝተዉሃቦ ማዓልቲ ኦርጅናል ንብረት ከቕርብ ዝኽእል

09) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀኒሓሉ እዋን ካብ ዕለት 16/08/2016ዓ/ም ክሳብ 30/08/2016 ዓ/ም ንተኸታታሊ10 ናይ ስራሕ ማዕልታት ምዃኑ ፈልጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

10) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 30/08/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት

11) ጨረታ ሰነድ ዝኸፈተሉ ግዜ ዕለት 30/08/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ይኸዉን።

12) ጨረታ ምስ ተኸፈተተጫረቲ ኣብዘቅረብዎ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ምምሕያሽ ምግባርኣይክእሉን/

13) እቲጨረታተጫራታይወይ ሕጋዊወኪል ኣብዘለውሉይኸፈትእንተዘይቀሪቦምድማብመምርሒጨረታመሰረት

እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

14) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ አንተተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ

መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡