ህዝባዊ ቤት መድሓኒት መቐለ

ፕሮፎርማ ምልክታ

መቐለ ህዝባዊ ቤት መድሓኒት መቐለ /ከነማ ፋርማሲ/ ናይ ሰብ ምድሓኒት ብፕሮፎርማ ኣዋዳዲሩ ንምዕደግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብዚ ሰደቃ ተዘርዚሮም ዘለዎ ኣቅሑት ብምርኣይ ሕጋውያን ነጋደ ንክትወዳደሩ ይዕደም ። ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ ክተማልእዎ ዝግባእ ተወዳደርቲ:

1. ናይዚ ዘመኑ ማለትም ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር ዝተመዝገቡ ምኾኖም መረዳእታ ፎቶኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ።

2. እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 13/05/2016 ዓ/ም ምውሳድ ዝካኣል ኾይኑ ዕለት 16/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 04:00 ተዓፅዩ ዕለት 16/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኣብ ህዝባዊ ቤት መድሓኒት መቀለ ይኽፈት።

3. ተወዳደርቲ ዘሸንፍዎ ኣቁሑት ስዓርቲ ካብ ዝኾኑሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲታት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ኣታዊ ክገብሩ ዝኸእሉ።

4. ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ኣቁሑት ብእዋኑ እንተዘይ ኣቅሪቦም ኣብ ስራሕቲ ቤት መድሓኒት ንዝፍጠር ምትእጉጓል ብመምረሒ ዕደጋ ተሓታቲ ይኸውን ።

5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ተወዳደርትን ቤት መድሓኒትናን ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ።

6. ኣብ እተመልእዎ ሰነዳት ፖስታን ናይ ትካልኹም ማሕተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ።

7. ቤት መድሓኒትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። መምርሒ: ዘዳለናዮ ፕሮፎርማ(ናይ ቤት መድሓኒትና ዋጋ መምልኢ)ወፃኢ ኣብ ናይ ባዕልኻ ዋጋ መምልኢ ፕሮፎርማ ዋጋ ምምላእ ኣይፍቀድን። 09-14-76-88-16 ወይ 09-14-74-72-49 ይደውሉ፡፡